1
ሮሜ 14:17-18
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ፅድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፥ ብልዕን መስተን ኣይኮነትን እሞ። እቲ በዝ ኸምዙይ ንክርስቶስ ዘገልግል፥ ንእግዚኣብሄር የሐጕሶ፤ ብሰብውን ምስጉን እዩ።
Lee anya n'etiti ihe abụọ
Nyochaa ሮሜ 14:17-18
2
ሮሜ 14:8
ብህይወት እንተ ነበርና፥ ንጐይታ ኢና እንነብር፤ እንተ ሞትናውን፥ ንእግዚኣብሄር ኢና እንመውት። ስለዙይ ብህይወት እንተ ነበርና ወይ እንተ ሞትና፥ ናይ እግዚኣብሄር ኢና።
Nyochaa ሮሜ 14:8
3
ሮሜ 14:19
እምበኣር ኣሰር ሰላምን፥ ኣሰር እቲ ንስንሳትና እንተሃናነፀሉ ነገርን፥ ንስዓብ።
Nyochaa ሮሜ 14:19
4
ሮሜ 14:13
ስለዙይ ኣብ ንስንሳትና፥ ደጊም ኣይንፍረድ። የግዳስ፥ ሓደ ንሓዉ መዐንቀፊ ወይ መሐንኰሊ ኸይገብረሉ፥ ይጠንቀቕ።
Nyochaa ሮሜ 14:13
5
ሮሜ 14:11-12
“ኣነ ህያው እየ፤ ኵሉ ብርኪ ኽምብርከኽ፥ ኵሉ ልሳንውን፥ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ክምስክር እዩ፤ ይብል ጐይታ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ። እምበኣር ኵላትና፥ ነፍሲ ወከፍ ንእግዚኣብሄር መልሲ ኽንህብ ኢና።
Nyochaa ሮሜ 14:11-12
6
ሮሜ 14:1
ነቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ ሰብ ተቐበልዎ፤ ኣብ ሓሳቡውን ኣይትፍረዱ።
Nyochaa ሮሜ 14:1
7
ሮሜ 14:4
ንስኻኸ ኣብ ሓሽከር ኻልእ እትፈርድ፥ እንታዋይ ኢኻ? ንሱ እንተ ተስአን እንተ ወደቐን፥ ንጐይታኡ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከተስኦ ስለ ዝኽእል ከዓ፥ ክትስእ እዩ።
Nyochaa ሮሜ 14:4
Ebe Mmepe Nke Mbụ Nke Ngwá
Akwụkwọ Nsọ
Atụmatụ Ihe Ogụgụ Gasị
Vidiyo Gasị