1
ማቴዎስ 24:12-13
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ብሰንኪ ብዝሒ ኽፍኣት ከዓ፥ ካብ ብዙሓት ሰባት ፍቕሪ ኽትንኪ እያ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ።
Lee anya n'etiti ihe abụọ
Nyochaa ማቴዎስ 24:12-13
2
ማቴዎስ 24:14
ንዅሎም ኣህዛብ ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ እዝ ወንጌል መንግስቲ እዙይ፥ ኣብ ምሉእ ዓለም ክስበኽ እዩ፤ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ።”
Nyochaa ማቴዎስ 24:14
3
ማቴዎስ 24:6
ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፤ ኣስተውዕሉ፤ ኣይትደንግፁ፤ እዝ ዅሉ ብርግፅ ክኸውን እዩ፤ እንተ ኾነ መወዳእታኡ ሽዑ ኣይኮነን።
Nyochaa ማቴዎስ 24:6
4
ማቴዎስ 24:7-8
ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኽለዓል እዩ፤ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ፥ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ክኸውን እዩ። እዝ ዅሉ ናይ መጀመርታ ቕልውላው እዩ።
Nyochaa ማቴዎስ 24:7-8
5
ማቴዎስ 24:35
ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
Nyochaa ማቴዎስ 24:35
6
ማቴዎስ 24:5
‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ክመፁ እዮም፤ ንብዙሓትውን ከስሕቱ እዮም።
Nyochaa ማቴዎስ 24:5
7
ማቴዎስ 24:9-11
በቲ እዋን እቱይ ንመከራ ኣሕሊፎም ክህቡኹምን ክቐትሉኹምን እዮም፤ ስለ ስመይ ከዓ፥ ብዅሎም ኣህዛብ ፅሉኣት ክትኮኑ ኢኹም። ሽዑ ብዙሓት እምነቶም ብምኽሓድ፥ ንስንሳቶም ኣሕሊፎም ክወሃሃቡን ክፃልኡን እዮም። ብዙሓት ሓሰውቲ ነቢያት ክለዓሉ፥ ንብዙሓትውን ከስሕትዎም እዮም።
Nyochaa ማቴዎስ 24:9-11
8
ማቴዎስ 24:4
ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ዝኾነ ሰብ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ!
Nyochaa ማቴዎስ 24:4
9
ማቴዎስ 24:44
እምበኣርከስ ንስኻትኩምውን፥ ብዘይ ሓሰብኩምዋ ሰዓት ወዲ ሰብ ክመፅእ እዩ እሞ፥ ተዳሊኹም ንበሩ።”
Nyochaa ማቴዎስ 24:44
10
ማቴዎስ 24:42
እምበኣርከስ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመፅእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፥ ነቒሕኩም ሓልዉ።
Nyochaa ማቴዎስ 24:42
11
ማቴዎስ 24:36
“ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ግና፥ እንትርፊ ኣብ በይኑ፥ ናይ ሰማይ መላእኽቲ ኾኑ ወይ ወልድ፥ ሓደ እኳ ዝፈልጣ የለን።
Nyochaa ማቴዎስ 24:36
12
ማቴዎስ 24:24
ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም፤ እንተ ተኽኢልዎምስ፥ ነቶም ሕሩያት እንተይተረፈ እኳ ንምስሓት፥ ዓብዪ ምልክታትን ዘደንቕ ነገራትን ከርእዩ እዮም።
Nyochaa ማቴዎስ 24:24
13
ማቴዎስ 24:37-39
ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝኾነ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብ ከዓ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ። ከምቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ጊዜ፥ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፥ ክበልዑን ክሰትዩን፥ ከውስቡን ክዋሰቡን ዝፀንሑ እሞ፥ ማይ ኣይሂ መፂኡ፥ ንዅሉ ኽሳዕ ዘጥፍእ ዘይፈለጡ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብ ከዓ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።
Nyochaa ማቴዎስ 24:37-39
Ebe Mmepe Nke Mbụ Nke Ngwá
Akwụkwọ Nsọ
Atụmatụ Ihe Ogụgụ Gasị
Vidiyo Gasị