1
1ይ ቆሮንቶስ 13:4-5
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ፍቕሪ ይዕገስ፤ ፍቕሪ ይርህርህ፤ ፍቕሪ ኣይቐንእን፤ ፍቕሪ ኣይምካሕን፤ ኣይዕበይን። ፍቕሪ ዘይግባእ ኣይገብርን፤ ፍቕሪ ንኣይ ይጥዓመኒ ኣይብልን፤ ፍቕሪ ኣይበሳጮን፤ ፍቕሪ ኣይቕየምን።
Lee anya n'etiti ihe abụọ
Nyochaa 1ይ ቆሮንቶስ 13:4-5
2
1ይ ቆሮንቶስ 13:7
ፍቕሪ ንዅሉ ይፀውር፤ ንዅሉ ይኣምን፤ ብዅሉ ድማ ተስፋ ይገብር፤ ንዅሉውን ይዕገስ።
Nyochaa 1ይ ቆሮንቶስ 13:7
3
1ይ ቆሮንቶስ 13:6
ፍቕሪ ብሓቂ ይሕጐስ እምበር፥ ብዓመፅ ባህ ኣይብሎን።
Nyochaa 1ይ ቆሮንቶስ 13:6
4
1ይ ቆሮንቶስ 13:13
እምበኣር እምነት፥ ተስፋ፥ ፍቕሪ፥ እዚኣቶም ሰለስቲኦም ፀኒዖም ይነብሩ፤ ካብዚኣቶም ዝዓቢ ግና ፍቕሪ እዩ።
Nyochaa 1ይ ቆሮንቶስ 13:13
5
1ይ ቆሮንቶስ 13:8
ትንቢት እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ኽሰዓር እዩ፤ ምዝራብ ቋንቋታት እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ኽውዳእ እዩ፤ ፍልጠት እንተ ሃልዩውን፥ ንሱ ኽሰዓር እዩ፤ ፍቕሪ ግና ኸቶ ኣየቋርፅን እዩ።
Nyochaa 1ይ ቆሮንቶስ 13:8
6
1ይ ቆሮንቶስ 13:1
ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ተዛረብኩ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ከም ዝደምፅ ነሃስ፥ ወይ ጭልጭል ከም ዝብል ፀናፅል እየ።
Nyochaa 1ይ ቆሮንቶስ 13:1
7
1ይ ቆሮንቶስ 13:2
ውህብቶ ትንቢት እንተ ሃለወኒ፥ ኵሉ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ፈለጥኩ፥ እምባታት ክሳዕ ዘፍልስ ከዓ፥ ፍፁም እምነት እንተ ሃልዩኒ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ከንቱ እየ።
Nyochaa 1ይ ቆሮንቶስ 13:2
8
1ይ ቆሮንቶስ 13:3
ኵሉ ገንዘበይውን ንድኻታት እንተ ዓደልኩ፥ ሰብነተይ ብሓዊ ንምቅፃል ኣሕሊፈ እንተ ሃብኩ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ሓደኳ ኣይጠቕመንን እዩ።
Nyochaa 1ይ ቆሮንቶስ 13:3
9
1ይ ቆሮንቶስ 13:11
ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ ኸም ቈልዓ እዛረብ ነበርኩ፤ ከም ቈልዓ እሓስብ ነበርኩ፤ ከም ቈልዓውን እመራመር ነበርኩ፤ ምስ ዓበኹ ግና፥ ነቲ ነገር ቍልዕነት ሓደግክዎ።
Nyochaa 1ይ ቆሮንቶስ 13:11
Ebe Mmepe Nke Mbụ Nke Ngwá
Akwụkwọ Nsọ
Atụmatụ Ihe Ogụgụ Gasị
Vidiyo Gasị