1
ዘፍጥረት 1:26-27
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እግዚኣብሄር ከዓ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንፍጠር። ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን፥ ንዅላ ምድርን ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን ይግዝኡ” በለ። እግዚኣብሄር ድማ ብመልክዑ ንሰብ ፈጠረ፤ ብመልክዕ እግዚኣብሄር ፈጠሮ፤ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ድማ ፈጠሮም።
Compare
Avasta ዘፍጥረት 1:26-27
2
ዘፍጥረት 1:28
እግዚኣብሄር ከዓ “ብዝሑን ተባዝሑን፥ ንምድሪ ምልእዋን ምለኽዋን፥ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ንዝንቀሳቐስ ኵሉ እንስሳን ግዝኡ” ኢሉ ባረኾም።
Avasta ዘፍጥረት 1:28
3
ዘፍጥረት 1:1
እግዚኣብሄር ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።
Avasta ዘፍጥረት 1:1
4
ዘፍጥረት 1:2
ምድሪ እውን ጥራሓ ነበረት፤ ዝኾነ ነገርውን ኣይነበራን። ፀልማት ከዓ ኣብ ልዕሊ መዓሙቝ ነበረ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ።
Avasta ዘፍጥረት 1:2
5
ዘፍጥረት 1:3
ሽዑ እግዚኣብሄር “ብርሃን ይኹን” በለ፤ ብርሃን ድማ ኾነ።
Avasta ዘፍጥረት 1:3
6
ዘፍጥረት 1:31
እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዅሉ ዝፈጠሮ ረአየ፤ እንሆ ድማ የመና ፅቡቕ ነበረ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሻድሸይቲ መዓልቲ።
Avasta ዘፍጥረት 1:31
7
ዘፍጥረት 1:4
እግዚኣብሄር ድማ እቲ ብርሃን ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። እግዚኣብሄር ከዓ ንብርሃንን ንፀልማትን ፈለዮም።
Avasta ዘፍጥረት 1:4
8
ዘፍጥረት 1:29
እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘሎ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ሓመልማልን፥ ኣብ ውሽጡ ዝዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ናይ ዅሉ ኣእዋም ፍረን ሂበኩም ኣለኹ እሞ፥ ምግቢ ይኹንኩም።
Avasta ዘፍጥረት 1:29
9
ዘፍጥረት 1:5
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ብርሃን “መዓልቲ” ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ ፀልማት ከዓ “ለይቲ” ኢሉ ሰመዮ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ቀዳመይቲ መዓልቲ።
Avasta ዘፍጥረት 1:5
10
ዘፍጥረት 1:6
እግዚኣብሄር “ንማያት ካብ ማያት ዝፈሊ ጠፈር፥ ኣብ መንጎ ማያት ይኹን” በለ፤ ከምኡውን ኮነ።
Avasta ዘፍጥረት 1:6
11
ዘፍጥረት 1:30
ንዅሉ ህይወት ዘለዎ፥ ንዅሉ ኣራዊት ምድርን፥ ንዅሎም ኣዕዋፍ ሰማይን፥ ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝበቍል ሓመልማል፥ ምግቢ ይኹነሎም” በለ፤ ከምኡውን ኮነ።
Avasta ዘፍጥረት 1:30
12
ዘፍጥረት 1:14
እግዚኣብሄር ድማ “ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዝፈልዩ ብርሃናት፥ ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹኑ፤ ንምልክት ንዘመናትን ንመዓልቲታትን ንዓመታትን ከዓ መፍለዪ ይኹኑ።
Avasta ዘፍጥረት 1:14
13
ዘፍጥረት 1:11
እግዚኣብሄር ድማ “እታ ምድሪ በቝሊ፥ ከከም ዓይነቱ ዝፈሪ ዘርኢ ዘለዎ ሳዕርን ኣብ ውሽጡ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ዝፈሪ ኣእዋምን ተውፅእ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ።
Avasta ዘፍጥረት 1:11
14
ዘፍጥረት 1:7
እግዚኣብሄር ከዓ ጠፈር ገበረ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ፤ ከምኡውን ኮነ።
Avasta ዘፍጥረት 1:7
15
ዘፍጥረት 1:12
እታ ምድሪ ኸዓ በቝሊ፥ ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዝህብ ሳዕርን፥ ኣብ ውሽጡ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ዝህብ ከከም ዓይነቱ ዝፈሪ ኣእዋምን ኣውፅአት። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ።
Avasta ዘፍጥረት 1:12
16
ዘፍጥረት 1:16
እግዚኣብሄር ከዓ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፤ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ፥ እቲ ንእሽተይ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኽስልጥኑ፥ ከምኡውን ከዋኽብቲ ገበረ።
Avasta ዘፍጥረት 1:16
17
ዘፍጥረት 1:9-10
እግዚኣብሄር ድማ “እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓደ ቦታ ይተኣከብ፤ እቲ ንቑፅ መሬት ከዓ ይረአ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ንቑፅ መሬት “ምድሪ” ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ እኩብ ማያት ድማ “ባሕሪ” ኢሉ ሰመዮ። እግዚኣብሄር ከዓ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ።
Avasta ዘፍጥረት 1:9-10
18
ዘፍጥረት 1:22
እግዚኣብሄር ድማ “ብዝሑን ተባዝሑን፤ ንማያት ባሕሪ እውን ምልእዎ፤ ንኣዕዋፍ ከዓ ኣብ ምድሪ ብዝሑ” ኢሉ ባረኾም።
Avasta ዘፍጥረት 1:22
19
ዘፍጥረት 1:24
እግዚኣብሄር ድማ “ምድሪ፥ ህይወት ዘለዎ በብዓይነቱ ፍጥረት፥ እንስሳን፥ በብወገኑ ዝንቀሳቐስን፥ ኣራዊትን ተውፅእ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ።
Avasta ዘፍጥረት 1:24
20
ዘፍጥረት 1:20
እግዚኣብሄር ድማ “ማያት፥ ህይወት ዘለዎም እንስሳ ተውፅእ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከዓ ኣዕዋፍ ይብረሩ” በለ።
Avasta ዘፍጥረት 1:20
21
ዘፍጥረት 1:25
እግዚኣብሄር ከዓ ኣራዊት ምድሪ በብወገኑ፥ እንስሳ በብወገኑ፥ ኵሉ ዝንቀሳቐስውን በብወገኑ ገበረ። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ።
Avasta ዘፍጥረት 1:25
Home
Bible
Plans
Videod