1
ሕዝቅኤል 37:4-5
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ንሱ ኸዓ “ኣብ ልዕሊ እዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶም ተነበ፦ ኣቱም ንቑፃት ኣዕፅምቲ ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ” ኢልካውን ንገሮም በለኒ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶም ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ እስትንፋስ ከእትወልኩም እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ህያዋን ክትኮኑ ኢኹም።
Compare
Avasta ሕዝቅኤል 37:4-5
2
ሕዝቅኤል 37:6
ጅማውቲ ኸንብረልኩም፥ ስጋ ኽገብረልኩም፥ ብቘርበት ክኸድነኩም፥ እስትንፋስ ከእትወልኩም እየ፤ ህያዋን ከዓ ኽትኮኑ ኢኹም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።”
Avasta ሕዝቅኤል 37:6
3
ሕዝቅኤል 37:3
ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶምስ ህያዋንዶ ክኾኑ እዮም? በለኒ” ኣነ ድማ “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንስኻ ትፈልጥ” ኢለ መለስኩ።
Avasta ሕዝቅኤል 37:3
4
ሕዝቅኤል 37:1-2
ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት፤ እግዚኣብሄር ከዓ ብመንፈስ ኣውፅአኒ፤ ኣብ ማእኸል እታ ለሰ ድማ ኣንበረኒ፤ ንሳውን ኣዕፅምቲ መሊእዋ ነበረ። ኣብ ጥቓኦም ብዙርያኦም ኣሕለፈኒ፤ እንሆ ኸዓ ኣብቲ ዝባን ለሰ የመና ብዙሕ ነበረ፤ እንሆ የመናውን ንቑፅ ነበረ።
Avasta ሕዝቅኤል 37:1-2
5
ሕዝቅኤል 37:7-8
ከምቲ ዝተአዘዝክዎ ኸዓ ተነበኹ፤ ክንበ እንተለኹ ድማ ድምፂ ኾነ፤ እንሆ ኸዓ ምንቕናቕ ኮነ፤ እቶም ኣዕፅምቲውን ዓፅሚ ምስ ዓፅሙ ተቓራረበ። እንሆ ኸዓ ጅማውትን ስጋን ክወፆም ቈርበት ድማ ክኸድኖም ረአኹ፤ እስትንፋስ ግና ኣይነበሮምን።
Avasta ሕዝቅኤል 37:7-8
Home
Bible
Plans
Videod