1
ሕዝቅኤል 33:11
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እሞ፥ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ብሞት ሓጥእ ባህ ኣይብለንን እዩ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይከ እትሞቱ? ኻብቲ እኩይ መንገድኹም ተመለሱ፤ ተመለሱ፤ በሎም።
Compare
Avasta ሕዝቅኤል 33:11
2
ሕዝቅኤል 33:7
እምበኣርከስ “ኣታ ወዲ ሰብ” ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ኣቝመካ እየ፤ ነቲ ቓል ካብ ኣፈይ ስማዕ እሞ፥ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም።
Avasta ሕዝቅኤል 33:7
3
ሕዝቅኤል 33:9
ግናኸ ነቲ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ መንገዱ እንተ ዘይተመለሰ፥ ንሱ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ንስኻ ግና ንነፍስኻ ኣድሓንካያ።”
Avasta ሕዝቅኤል 33:9
4
ሕዝቅኤል 33:6
እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኽመፅእ እንተሎ እንተ ረአየ፥ መለኸት ድማ እንተ ዘይነፍሐ፥ ነቶም ህዝቢ ኸዓ እንተ ዘየጠንቀቖም፥ ሰይፊ መፂኡውን ንሓደ ኻብኣቶም እንተ ወሰዶ፥ ንሱ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ይውሰድ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድ እቲ ሓላዊ እየ ዝደልዮ።”
Avasta ሕዝቅኤል 33:6
5
ሕዝቅኤል 33:5
ድምፂ መለኸት ሰሚዑ ኣይተጠንቀቐን እሞ፥ ደሙ ኣብ ርእሱ ክኸውን እዩ፤ እንተ ዝጥንቀቕስ ንነፍሱ መድሓና ነይሩ።
Avasta ሕዝቅኤል 33:5
Home
Bible
Plans
Videod