1
1ይ ቆሮንቶስ 12:7
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ግናኸ ምግላፅ መንፈስ ቅዱስ፥ ንጥቕሚ ብዙሓት፥ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ይወሃቦ እዩ።
Comparar
Explorar 1ይ ቆሮንቶስ 12:7
2
1ይ ቆሮንቶስ 12:27
እምበኣርከስ ንስኻትኩም፥ ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፤ ነፍሲ ወከፍኩም ከዓ፥ ኣካላቱ ኢኹም።
Explorar 1ይ ቆሮንቶስ 12:27
3
1ይ ቆሮንቶስ 12:26
ሓደ ኣካል እንተ ተሳቐየ፥ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ። ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸዓ፥ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሕጐስ።
Explorar 1ይ ቆሮንቶስ 12:26
4
1ይ ቆሮንቶስ 12:8-10
ንሓደ ብመንፈስ፥ ቃል ጥበብ ይወሃቦ፤ ነቲ ሓደ ኸዓ፥ በቲ መንፈስ እቱይ፥ ቃል ፍልጠት ይወሃቦ። ንሓደ በቲ ሓደ መንፈስ፥ እምነት፤ ንሓደ ድማ በቲ መንፈስ እቱይ፥ ናይ ምፍዋስ ውህብቶ ይወሃቦ። ንሓደ ተኣምራት ምግባር፥ ነቲ ሓደ ድማ ትንቢት ምዝራብ፥ ነቲ ሓደውን መናፍስቲ ምልላይ፥ ነቲ ሓደ ኸዓ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ምዝራብ፥ ነቲ ሓደ ድማ ቛንቋታት ናይ ምትርጓም ውህብቶ ይወሃቦ።
Explorar 1ይ ቆሮንቶስ 12:8-10
5
1ይ ቆሮንቶስ 12:11
ነዝ ዅሉ ኸዓ፥ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝፈቐዶ፥ ንነፍሲ ወከፍ ዝተፈላለየ ውህብቶ ይዕድሎ።
Explorar 1ይ ቆሮንቶስ 12:11
6
1ይ ቆሮንቶስ 12:24-25
እቲ ኽቡር ኣካልና ግና እዙይ ኣየድልዮን እዩ። ግና እቲ ኣካላት፥ ንስንሳቱ ኽፃወር እምበር፥ ኣብቲ ሰብነት ምፍልላይ ምእንቲ ኸይኸውንስ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል፥ ዝበዝሕ ክብሪ እናሃበ፥ ነቲ ሰብነት ኣጋጠሞ።
Explorar 1ይ ቆሮንቶስ 12:24-25
7
1ይ ቆሮንቶስ 12:4-6
እምበኣርከስ ዝተፈላለየ ውህብቶ ኣሎ፤ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ። ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ኣሎ፤ ጐይታ ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ። ዝተፈላለየ ተግባር ኣሎ፤ እቲ ኣብ ኵላቶም ኵሉ ዝገብር እግዚኣብሄር ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ።
Explorar 1ይ ቆሮንቶስ 12:4-6
8
1ይ ቆሮንቶስ 12:28
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን፥ ብመጀመርታ ሃዋርያት፥ ካልኣይ ነቢያት፥ ሳልሳይ መምህራን ሸመ፤ ደሓር ተኣምራት ዝገብሩ፥ ናይ ምፍዋስ ውህብቶ ዘለዎም፥ ዝሕግዙ፥ ዘመሓድሩ፥ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ዝዛረቡ፥ ሰርዐ።
Explorar 1ይ ቆሮንቶስ 12:28
9
1ይ ቆሮንቶስ 12:14
እቲ ሰብነት ከዓ ብብዙሕ እምበር፥ ብሓደ ኣካል ዝተሰርሐ ኣይኮነን።
Explorar 1ይ ቆሮንቶስ 12:14
10
1ይ ቆሮንቶስ 12:22
እኳ ደኣ እቶም ድኹማት ዝመስሉ ኣካላት ሰብነት እዮም፥ የመና ዘድልዩ።
Explorar 1ይ ቆሮንቶስ 12:22
11
1ይ ቆሮንቶስ 12:17-19
ብዘሎ እቲ ሰብነት ዓይኒ እንተ ዝኸውን ደኣ፥ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ? እቲ ሰብነት ኵለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዝኸውንከ፥ ምሽታት ኣበይ ምተረኽበ? ሕዚ ግና ኣምላኽ፥ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኣካላት፥ ኣብቲ ሰብነት ሰርዖ። ኵሉ ሓደ ኣካል እንተ ዝኸውን፥ ሰብነት ኣበይ ምተረኽበ?
Explorar 1ይ ቆሮንቶስ 12:17-19
Inicio
Biblia
Planes
Videos