ሚልክያስ 4
4
ምምፃእ መዓልቲ ጐይታ
1“እንሆ፥ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመፅእ ኣላ፤ ኵሎም ዕቡያትን ገበርቲ ኽፉእን ሓሰር ክኾኑ እዮም፤ ሱር ወይ ጨንፈር እንተይሓደገት፥ ህሙኽ ኽተብሎም እያ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 2ስመይ ንእትፈርሑ ነኣኻትኩም ግና፥ ፀሓይ ፅድቂ ኣብ ኣኽናፋ ፈውሲ ሒዛ ኽትወፅእ እያ። ንስኻትኩምውን ክትወፁ ኢኹም፤ ከም ዝሰብሐ ብተይውን ክትዕንድሩ ኢኹም። 3በታ ኣነ ዝሰርሐላ መዓልቲ፥ እቶም ኽፉኣት ኣብ ትሕቲ ሳእኒ እግርኹም ሓመድ ክኾኑ እዮም እሞ፥ ንስኻትኩም ክትረግፅዎም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
4“ነቲ ንዅሎም እስራኤል፥ ሕግጋትን ስርዓትን ክኸውን ኢለ፥ ንባርያይ ሙሴ ኣብ ኮሬብ ዝኣዘዝክዎ ሕጊ ዘክርዎ።
5 #
ማቴ. 11፡14፥ 17፡10-13፥ ማር. 9፡11-13፥ ሉቃ. 1፡17፥ ዮሓ. 1፡21። “እንሆ፥ እታ ዓባይን እተፍርሕን መዓልቲ እግዚኣብሄር እንተይመፀት፥ ንነቢይ ኤልያስ ክልእኸልኩም እየ። 6ኣነ መፂአ ንምድሪ ብመርገም ከየጥፍኣስ፥ ንሱ ንልቢ ኣቦታት ናብ ደቆም፥ ንልቢ ደቂ ኸዓ ናብ ኣቦታቶም ክምልስ እዩ።”
دیاریکراوەکانی ئێستا:
ሚልክያስ 4: ትመ15
بەرچاوکردن
هاوبەشی بکە
لەبەرگرتنەوە

دەتەوێت هایلایتەکانت بپارێزرێت لەناو ئامێرەکانتدا> ? داخڵ ببە