YouVersion Logo
Search Icon

ዳዊት 26

26
ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ኦ ጐይታ፥ ኣነ ብለውሃተይ እኸይድ ኣለኹሞ ፍረደለይ፤
ብእግዚኣብሄርውን ኣሚነ ኣለኹሞ ኣይናወፅን።
2ኦ ጐይታ፥ ፍተነንን መርምረንን፤
ንዀላሊተይን ንልበይን ፍተን።
3ምሕረትካ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እዩሞ፥
ብሓቅኻ እመላለስ ኣለኹ።
4ከንቱ ኣብ ዝኾነ ባይቶ ኣይተቐመጥኩን፤
ምስ ዓመፅትውን ኣይኣተኹን።
5ማሕበር ክፉኣት ፀላእኹ፤
ምስ ዓመፅትውን ኣይቕመጥን እየ።
6ኣእዳወይ ብንፅህና እሓፅብ ኣለኹ፤
ኦ ጐይታ ንመሰዊዒኻውን እዞሮ ኣለኹ፤
7ድምፂ ምስጋናኻ ምእንቲ ኽሰምዕ፥
ኵሉ ተኣምራትካውን ምእንቲ ኽነግር እዩ።
8ኦ ጐይታ፥ ነቲ እትነብረሉ ቤት፥
ነቲ ኽብርኻ ዝሓድረሉ ቦታ ፈተኹ።
9ንነፍሰይ ምስ ሓጥኣን፥ ንህይወተይውን
ምስ ናይ ደም ሰባት ኣይተጥፍኣያ።
10ንሳቶም ኣብ ኢዶም ተንዀል ኣለዎም፤
የማናይ ኢዶም ድማ ጉቦ ዝመልአ እዩ።
11ኣነ ግና ብየዋህነተይ ከድኩ፤
ኣድሕነኒ፤ መሓረኒውን።
12ኣእጋረይ ብቕንዕና ቆይመን እየንሞ፥
ኦ ጐይታ፥ ኣብ ማሕበር አመስግነካ ኣለኹ።

Currently Selected:

ዳዊት 26: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in