YouVersion Logo
Search Icon

ዘሑልቍ 27

27
ኣጓላት ሰለጰኣድ
1ማሕላ፥ ኑዓ ሖግላ፥ ሚልካ፥ ቲርፃ ዝበሃላ ኣጓላት ሰለጰኣድ ወዲ ኦፌር፥ ወዲ ገለዓድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴ፥ ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ቀረባ። 2ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሎም ሹመኛታት ህዝቢ እስራኤልን ደው ኢለን፥ 3“ኣቦና ኣብ ምድረ በዳ ሞተ፤ ንሱ ብሓጢኣቱ እዩ ዝሞተ እምበር፥ ምስቶም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዝተስኡ ሰዓብቲ ቆሬ ኣይነበረን፤ ኣወዳት ድማ ኣይነበርዎን። 4ኣቦና፥ ወዲ ብዘይምውላዱ፥ ስለ ምንታይ ስሙ ኻብ ማእኸል ዓሌቱ ዝጠፍእ? ምስ ሓወቦታትና ርስቲ ሃበና” በላ።
5ሙሴ ድማ ነቲ ነገረን ናብ እግዚኣብሄር ኣቕረቦ። 6እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 7ኣጓላት ሰለጰኣድ ዝተዛረባኦ ሓቂ እዩ። ምስ ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን፤ እቲ ርስቲ ኣቦአን ናብኣተን ኣሕሊፍካ ሃበን። #ዘሑ. 36፡2። 8ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ሰብ፥ ወዲ እንተይሓደገ እንተ ሞተ፥ ነቲ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎ። 9ጓል እንተ ዘይብሉ ኸዓ ነቲ ርስቱ ነሕዋቱ ሃብዎም። 10ኣሕዋት እንተ ዘይብሉ ድማ ነቲ ርስቱ ንሓወቦታቱ ሃብዎም። 11ኣቦኡ ኣሕዋት እንተ ዘይብሉ ድማ ነቲ ርስቲ ኻብ ዓሌቱ ንዝቐርቦ ዘመዱ ሃብዎ፤ ንሱውን ይውረሶ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞውን፥ ንደቂ እስራኤል ስርዓትን ፍርድን ይኹን።
ኢያሱ ኽንዲ ሙሴ ኸም ዝተተክአ
(ዘዳ. 31፡1-8)
12እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ እምባ ዓባሪም ደይብ፤ ነታ ንደቂ እስራኤል ዝሃብክዎም ምድሪ ኸዓ ረአያ። 13ምስ ረአኻያ ድማ ኸምቲ ኣሮን ሓውካ ዝተኣከበ ንስኻውን ከምኡ ናብ ወገናትካ ኽትእከብ ኢኻ። 14#ዘዳ. 3፡23-27፥ 32፡48-52። እቲ ህዝቢ ኣብ ምድረ በዳ ፂን ኣብ ማይ ጐይቊ ኣብ ልዕለይ ከጕረምርም እንተሎ፥ ክልቴኹም ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣይቐደስኩምንን፤ ነቲ ቓለይውን ጥሒስኩምዎ ኢኹም።” ማይ መሪባ ኣብ ቃዴስ ኣብ ምድረ በዳ ፂን ዝርከብ ዓይኒ ማይ እዩ።
15ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር 16-17“ማሕበር እግዚኣብሄር ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ከይኾኑስ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ዝወፅእን ዝኣቱን፥ ዘውፍሮምን ዘእትዎምን፥ ንስኻ እግዚኣብሄር፥ ናይ ስጋ ዅሉ ህይወት ኣምላኽ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እዚ ማሕበር እዙይ ክመርሖ ዝኽእል ሰብ መድብ” በሎ። #1 ነገ. 22፡17፥ ሕዝ. 34፡5፥ ማቴ. 9፡36፥ ማር. 6፡34።
18እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ነቲ ቕኑዕ መንፈስ ዘለዎ ሰብ፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ ወሲድካ ኢድካ ኣንብረሉ። #ዘፀ. 24፡13። 19ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብን ደው ኣቢልካ ሹሞ። 20ኵሉ ህዝቢ ምእንቲ ኽእዘዞ ኸዓ ስልጣንካ ሃቦ። 21ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛር ደው ይበል፤ ኣልኣዛር ከዓ ብኡሪም ገይሩ ፍቓደይ ፍቓድ እግዚኣብሄር ይጠይቐሉ። ንሱን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ከዓ ብትእዛዙ ይውፅኡን ይእተዉን” በሎ። #ዘፀ. 28፡30፥ 1 ሳሙ. 14፡41፥ 28፡6።
22ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንኢያሱ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ደው ኣበሎ። 23ሙሴ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበረሉ፤ ኣዘዞውን። #ዘዳ. 31፡23።

Currently Selected:

ዘሑልቍ 27: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ዘሑልቍ 27