YouVersion Logo
Search Icon

ዘሑልቍ 16

16
ቆሬ፥ ዳታን፥ ኣቤሮን
1ቆሬ ወዲ ይስዓር፥ ወዲ ቃዓት ወዲ ሌዊ፥ ዳታንን ኣቤሮንን ደቂ ኤልያብ፥ ኦን ከዓ ወዲ ፋሌት ካብ ነገድ ሮቤል፥ #ይሁዳ 11። 2ኣብ ልዕሊ ሙሴ ተልዓሉ፤ ምስኣቶም ድማ ካብ ደቂ እስራኤል ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሹመኛታት ወሰዱ፤ ንሳቶም ብህዝቦም ስሙያት ዝኾኑ ናይቲ ማሕበር ኣሕሉቕ ነበሩ። 3ናብ ሙሴን ኣሮንን ተኣኪቦም መፁ እሞ፥ “ኵሉ እዝ ህዝቢ ቅዱስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ማእኸሉ እዩ። ስለ ምንታይ ኣብ ልዕሊ ማሕበር እግዚኣብሄር ኴንኩም እትዕበዩ? እምብዛ ኣብዚሕኹምዎ” እናበሉ ተፃረርዎም።
4ሙሴ እዙይ ምስ ሰምዐ ብግንባሩ ተደፍአ። 5ንቆሬን ነቶም ሰዓብቱን ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ፅባሕ እቲ ናቱ ዝኾነን እቲ ቅዱስን እቲ ናብኡ ዘቕርቦን መን ከም ዝኾነ ኸፍልጥ እዩ። ነቲ ዝሓረዮ ኸዓ ናብኡ ኸቕርቦ እዩ። 6ንስኻን ቆሬን፥ ኵሎም ሰዓብትኻን ከምዙይ ግበሩ፦ ፀፅንሃህኹም ውሰዱ፤ 7ፅባሕ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓዊን ዕጣንን ግበሩሉ። እቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ሰብ፥ ንሱ ቅዱስ ይኹን። ኣቱም ደቂ ሌዊ እምብዛ ኣብዚሕኹምዎ፤ ኢሉ ተናገሮም።”
8ሙሴ ኸዓ ንቆሬ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣቱም ደቂ ሌዊ፥ ሕዚ ስምዑ። 9ኣብ ድንኳን እግዚኣብሄር ክተገልግሉ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቡ ደው ኢልኩም ከዓ ኽተገልግልዎም፥ ኣምላኽ እስራኤል ናብኡ ኸቕርበኩም ኢሉ፥ ካብ ህዝቢ እስራኤል መሪፁ ዝፈለየኩምዶ ንኢሱኩም እዩ? 10ንኣኻን ንዅሎም ኣሕዋትካ ደቂ ሌዊን ናብኡ ኣቕሪቡኩምስ ሕዚ ድማ ኽህነት ደሊኹም? 11ስለዙይ ንስኻን ኵሎም ሰዓብትኻን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኢኹም ዝተኣከብኩም። ኣብ ልዕሊኡ እተጕረምርሙ ደኣ፥ ኣሮን መን እዩ?”
12ሙሴ ድማ ንዳታንን ኣቤሮንን፥ ደቂ ኤልያብ፥ ክፅውዑሉ ለኣኸ። ንሳቶም ከዓ “ኣይንመፅእን! 13ኣብ በረኻ ኽትቀትለና ኢልካ፥ ካብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ዘውፃእኻናዶ ውሒዱ እዩ? ሕዚ ኸዓ ኣብ ልዕሌና ኽትጕይተትዶ ትደሊ ኣለኻ? 14ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኣየእተኻናን፤ ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከዓ ኣየውረስካናን። ኣዒንቲ እዞም ሰባት እዚኣቶምዶ ኽተንቍር ደሊኻ ኢኻ? ኣይንመፅእን” በሉ።
15ሙሴ ድማ የመና ተቘጢዑ ንእግዚኣብሄር፥ “መስዋእቶም ኣይትቀበል፤ ካብኣቶም ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣይገበርኩን፤ ሓንቲ ኣድጊ እኳ ኣይወሰድኩሎምን” በሎ።
16ሙሴ ንቆሬ ኸምዙይ በሎ፦ “ፅባሕ ንስኻን እቶም ኵሎም ወገናትካን፥ ኣሮንውን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምፁ። 17ነፍሲ ወከፍ ከዓ ፀፅንሃሁ ይውሰድ፤ ዕጣን ድማ ይግበረሉ፤ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ፅንሃህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቡ፤ ንስኻን ኣሮንን ድማ ነናትኩም ፅንሃህ ኣምፅኡ” በሎ። 18ነፍሲ ወከፍ ከዓ ፀፅንሃሁ ወሰደ፤ ሓዊን ዕጣንን ድማ ገበረሉ፤ ምስ ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኣብቲ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ደው በሉ። 19ቆሬ ድማ ንዅሎም ሰዓብቱ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣከቦም። ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ንዅሉ እቲ ማሕበር ተርኣየ። 20እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፥ 21“ካብዝ ጉባኤ እዙይ ተፈለዩ፤ ብቕፅበት ዓይኒ ኸጥፍኦም እየ” በሎም።
22ሽዑ ንሳቶም “ኦ ኣምላኽ! ኣምላኽ ናይ ነፍሳት ዅሉ ሰብ፥ ሓጢኣት ዝገበረስ ሓደ ሰብኣይ እዩ፤ ንዅሉ ኣኼባዶ ትቝጥዖ ኢኻ?” እናበሉ ብገምበሮም ተደፍኡ። 23እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ 24“ነቶም ህዝቢ ‘ካብ ድንኳን ቆሬን ዳታንን ኣቤሮንን ረሓቑ’ ኢልካ ተዛረቦም” በሎ።
25ሙሴ ድማ ተሲኡ ናብ ዳታንን ኣቤሮንን ከደ፤ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከዓ ሰዓብዎ። 26ነቶም ህዝቢ ኸዓ “በይዛኻትኩም ካብ ድንኳናት እዞም ሕሱማት ሰባት እዚኣቶም ረሓቑ፤ ብዅሉ ሓጢኣቶም ከይትጠፍኡ ኸዓ ናቶም ዝኾነ ኣይትንክኡ” በሎም። 27ንሳቶም ከዓ ኻብ ድንኳን ቆሬን ዳታንን ኣቤሮንን ረሓቑ። ዳታንን ኣቤሮንን ግና ወፂኦም፥ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ህፃናቶምን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳናቶም ደው በሉ።
28ሙሴ ኸዓ “እዝ ዅሉ ግብሪ እዙይ ክገብር እግዚኣብሄር ከም ዝለኣኸኒ እምበር ካብ ፍቓደይ ከም ዘይኮነ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም፤ 29እንተ ደኣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ከም ኣማውታ ዅሉ ሰብ ሞይቶም፤ ወይ ንዅሉ ሰብ ከም ዝበፅሖ እንተ ተቀሰፉ፥ እምበኣር እግዚኣብሄር ኣይለኣኸንን። 30እግዚኣብሄር ሓድሽ ነገር እንተ ገበረ ግና፥ እዚኣቶም ምስ ኵሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ክወርዱ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ እንተ ወሓጠቶም፥ ሽዑ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ከም ዝነዓቕዎ ኽትፈልጡ ኢኹም” በለ።
31እዝ ዅሉ ተዛሪቡ ምስ ወድአ ኣብ ትሕቲኦም ዘላ ምድሪ ተጨደደት። 32ምድሪ ኣፋ ኸፈተት፤ ንኣኣቶምን ነባይቶምን ንዅሎም ናይ ቆሬ ሰባትን ንዅሉ ንብረቶምን ከዓ ወሓጠቶም። 33ንሳቶም ድማ ምስ ኵሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ወረዱ፤ እታ ምድሪ ኸዓ ተዓፀወቶም፤ ካብ ማእኸል ማሕበሮም ድማ ጠፍኡ። 34ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ እስራኤላውያን ድማ ኣውያቶም ሰሚዖም “ንኣና ድማ ምድሪ ኸይትውሕጠና” ኢሎም ሃደሙ።
35ካብ እግዚኣብሄር ከዓ ሓዊ ወፀ፤ ነቶም ዝዓጥኑ ዝነበሩ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ድማ በልዖም።
36እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 37“ንኣልኣዛር፥ ወዲ ኻህን ኣሮን ‘እቲ ፅንሃሃት ተቐዲሱ እዩ እሞ፥ ካብቲ ነዳዲ ኣውፅአዮ፤ ነቲ ሓዊ ኸዓ ናብ ወፃኢ ደርብዮ’ በሎ። 38ነቲ ፅንሃሃትውን ናይቶም ብሓጢኣቶም ህይወቶም ዘጥፍኡ ኣርቂቖም ይቐጥቅጥዎ። ነቲ መሰውኢ ኸዓ ብእኡ ይለብጥዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦምዎ እዮም እሞ ተቐዲሱ እዩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ምልክት ይኹን።”
39ካህን ኣልኣዛር ከዓ ነቲ እቶም ዝነደዱ ዘቕረብዎ ፅንሃሃት ነሃስ ወሰዶ፤ ንመለበጢ መሰውኢ ክኸውን ከዓ ቐጥቂጡ ኣርቀቖ። 40ካብ ዘርኢ ኣሮን ዘይኮነ ጓና ሰብ ክዓጥን ኢሉ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣይቕረብ። እንተ ቐረበ ግና ኸም ቆሬን ከም ሰዓብቱን ክኸውን እዩ። እዙይ ንደቂ እስራኤል መዘከርታ ይኹን። እዝ ዅሉ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ እዩ።
41ንፅባሒቱ ድማ ዅሉ እቲ ማሕበር፦ “ንስኻትኩም ንህዝቢ እግዚኣብሄር ቀተልክምዎ” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ። 42እቶም ህዝቢ ንሙሴን ንኣሮንን ክቃወሙ ምስ ተኣከቡ፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቢሎም ግልፅ በሉ። እንሆ ድማ ነቲ ድንኳን፥ ደመና ጐልበቦ፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ተርኣየ። 43ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን መፁ። 44እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ 45“ኣነ ብቕፅበት ዓይኒ ኸጥፍኦም እየ እሞ፥ ካብዝ ህዝቢ እዙይ ረሓቑ” በሎ። ንሳቶም ከዓ ብገምበሮም ተደፍኡ።
46ሙሴ ኸዓ ንኣሮን “ካብ እግዚኣብሄር፥ ቍጥዓ ወሪዱ፥ መዓት ጀሚሩ እዩ እሞ፥ ፅንሃህካ ወሲድካ ኻብ መሰውኢ ሓዊ ግበረሉ፤ ዕጣን ከዓ ኣእትወሉ፤ ቀልጢፍካ ድማ ናብቲ ህዝቢ ኺድ እሞ፥ ሓጢኣቶም ኣስተስርየሎም” በሎ። 47ኣሮን ከዓ፥ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ፥ ፅንሃህ ወሰደ፤ ናብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ድማ ጐየየ። እንሆ ኸዓ እቲ መዓት ኣብቶም ህዝቢ ጀሚሩ ነበረ፤ ኣሮን ግና ዕጣን ገይሩ ነቲ ህዝቢ ኣስተስረየሉ። 48ኣብ መንጎ ምዉታንን ህያዋንን ድማ ቆመ። እቲ መዓት ከዓ ተኸልከለ። 49ብዘይ እቶም ብሰንኪ ቆሬ ዝሞቱ፥ እቶም ብመዓት ዝሞቱ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኮኑ። 50ኣሮን ድማ ናብ ሙሴ፥ ናብቲ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ተመለሰ፤ እቲ መዓትውን ተኸልከለ።

Currently Selected:

ዘሑልቍ 16: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in