ኢዮብ 26
26
1ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2ሓይሊ ንዘይብሉ ኸመይ ረዳእኻዮ!
ነቲ ፅንዓት ዝሰኣነ ቕልፅምውን ከመይ ኣድሓንካዮ!
3ጥበብ ንዘይብሉውን ከመይ መኸርካዮ!
ክንደይ ብዙሕ ፍልጠትከ ገለፅካሉ!
4ነዝ ቓል እዙይ ብመን ሓገዝ ተናገርካዮ?
ናይ መን መንፈስከ ኻባኻ ወፀ?
5“ምዉታን ሰባት ኣብ ትሕቲ ማያት፥
ኣብ ትሕቲ እቶም ኣብ ውሽጢ ማያት ዝነብሩ ኾይኖም የንቀጥቅጡ።
6ሲኦል ኣብ ቅድሚኡ ዕሩቕ እዩ፤
ንጥፍኣትውን መጋረዲ የብሉን።
7ንሰሜን ኣብ ባዶ ስፍራ ይዝርግሖ፤
ንምድሪ እውን ኣብ ትሕቲኣ ሓደኳ ዘይብላ የንጠልጥላ።
8ንማያት ኣብ ደመና ይቛፅሮ፤
እቲ ደመናውን ብታሕቲ ኣይተቐደደን።
9ገፅ ዙፋኑ ይኸድን፤
ደመናውን ይዝርግሐሉ።
10ክሳዕ እቲ ብርሃንን ፀልማትን ዝፈላለዩላ፥
ኣብ ቅድሚ ማያት ወሰን ገበረ።
11ኣዕማድ ሰማይ የንቀጥቅጡ፤
ካብ ተግሳፁ ዝተልዓለውን ይድንግፁ።
12ብሓይሉ ንባሕሪ የህድኣ፤
ብምስትውዓልውን ንረዓብ ይወቕዖ።
13ብመንፈሱ ሰማያት ፅባቐ ረኸቡ፤
ኢዱውን ነቲ በራሪ ገበል ወግኦ።
14እንሆ እዙይ ናይ መንገዱ ወሰን ጥራሕ እዩ፤
እቲ ዝሰማዕናዮ ነገር ክንደይ ውሑድ እዩ፤
ነቲ ሓይሊ ነጐድጓዱኸ መን ከስተውዕሎ ይኽእል?”
Currently Selected:
ኢዮብ 26: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in