YouVersion Logo
Search Icon

ሕዝቅኤል 6

6
1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ 2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ እምባታት እስራኤል ኣቕንዓዮ እሞ ተነበየለን። 3በልውን፦ ኣትን እምባታት እስራኤል፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዓ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንእምባታትን ንዀረብታታትን ንዒላታትን ንለሰታትን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እኒሀኹ ኣነ፥ እወ ኣነ ሰይፊ ኸምፅአልኩም፥ ነቲ በረኽቲ ስፍራታትኩም ከጥፍኦ እየ። 4መሰውኢታትኩም ክፈርስ፥ እቲ ናይ ፀሓይ ኣዕማድኩም ድማ ኽሰባበር፥ ነቶም ውጉኣትኩም ከዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ጣዖታትኩም ከውድቖም እየ። 5ንሬሳታት ደቂ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ጣዖታቶም ከንብሮ፥ ንኣዕፅምትኹም ድማ ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶም ክዘርዎ እየ። 6መሰውኢታትኩም ምእንቲ ኽባድምን ክዓኑን፥ ጣዖታትኩም ከዓ ኽስበርን ክጠፍእን፥ ናይ ፀሓይ ኣዕማድኩም ድማ ኽቝረፅ፥ ስራሕኹምውን ምእንቲ ኽድምሰስ፥ ንስኻትኩም ኣብ ኹሉ እትነብሩሉ፥ እተን ከተማታት ክዓንዋ እየን፤ እቲ በረኽቲ ቦታታት ከዓ ኽፈርስ እዩ። 7ተወጊኦም ዝሞቱ ኣብ ማእኸልኩም ክወድቁ እዮም፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
8“በብሃገሩ ፋሕ ምስ በልኩም ግና፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ብዙሓት ክህልዉኹም እዮም፤ በዝ ኸምዙይ ትርፊ ኽሓድገልኩም እየ። 9እቶም ዘምለጡ ሰብኩም ከዓ፥ ነቲ ኻባይ ዝዘምበለ ዘማዊ ልቦምን፥ ነተን ክዝምዋ ደድሕሪ ጣዖታቶም ዝኸዳ ኣዒንቶምን ምስ ሰባበርኩ፥ ኣብቲ ዝማረኽዎም ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኮይኖም ክዝክሩኒ እዮም፤ በቲ ብዅሉ ርኽሰቶም ዝገበርዎ ኽፍኣት ከዓ ንርእሶም ክፍንፍኑ እዮም። 10ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኸዓ ኽፈልጡ እዮም፤ እዝ መዓት እዙይ ከምፅአሎም እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ ብኸንቱ ኣይኮነን።
11“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ክወድቁ እዮም እሞ፥ ብኢድካ ኣጣቕዕ፤ ብእግርኻ ኸዓ ኾደብደብ በል፤ ብዛዕባ ዅሉ ናይ ቤት እስራኤል ርኽሰት ድማ፥ ወዮ! በል። 12እቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ብፌራ ኽመውት፥ እቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ኸዓ ብሰይፊ ኽወድቕ፥ እቲ ዝተረፈን ተኸቢቡ ዘሎን ድማ ብጥሜት ክመውት እዩ። በዝ ኸምዙይ ቍጥዓይ ኣብኣቶምም ክፍፅም እየ። 13እቶም ውጉኣቶም ኣብ ማእኸል ጣዖታቶም ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶም፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ በረኽቲ ዀረብታ፥ ኣብ ኵሉ ርእሲ እምባታት፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ገረብ፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ብርቱዕ ቘፅሊ ዘለዎ ኣውሒ፥ ኣብ ማእኸል እቲ ንዅሎም ጣዖታቶም ጥዑም መዓዛ ዝዓጥኑሉ ስፍራ ምስ ኮኑ፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። 14ኣነ ኸዓ ኢደይ ክዝርግሐሎም እየ፤ ነታ ምድሪ ድማ፥ ኣብ እተቐመጡ እኳ እንተ ተቐመጡ፥ ካብ በረኻ ዴብላታ እትገድድ ባዶን ፅምዋን ክገብራ እየ፤ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”

Currently Selected:

ሕዝቅኤል 6: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in