YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ዜና 13

13
ኣብያ ምስ ኢዮርብዓም ከም ዝተዋግአ
(1 ነገ. 15፡1-8)
1ንጉስ ኢዮርብዓም ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፥ ኣብያ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። 2ኣብ ኢየሩሳሌም ሰለስተ ዓመት ነገሰ። እኖኡ ሚካያ እትበሃል ጓል ኡሪኤል በዓል ገባዖን ነበረት። ኣብ መንጎ ኣብያን ኢዮርብዓምን ከዓ ውግእ ኮነ።
3ኣብያ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ምሩፃት ተዋጋእቲ ሒዙ ተሰለፈ። ኢዮርብዓም ከዓ ሸሞንተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ሒዙ ምስኡ ኽገጥም ተሰለፈ።
4ኣብያ ኸዓ ኣብ እምባ ኤፍሬም ኣብ ዘላ ዀረብታ ፅማራይም ኮይኑ ንኢዮርብዓምን ንሰራዊት እስራኤልን ከምዙይ በሎም፦ “ኢዮርብኣምን ኵልኹም እስራኤልን ስምዑኒ፥ 5እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንዳዊትን ንደቁን፥ ንዘለኣለም ዘይድምሰስ ናይ ጨው ቃል ኪዳን ከም ዝሃቦምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? 6ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ሓሽከር ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ግና ተሲኡ ኣብ ጐይታኡ ዓመፀ። 7ክፉኣትን ዘይረብሑ ሰባትን ናብኡ ተኣከቡ፤ ንሳቶም ከዓ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን በርትዕዎ። ሮብዓም ድማ ለግለግ መንእሰይ ስለ ዝነበረ ኽምክቶም ኣይከኣለን።
8“ሕዚ ኸዓ ነታ ንደቂ ዳዊት ዝሃባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ኽትቃወምዋ ትሓስቡ ኣለኹም። ብርግፅ ንስኻትኩም ዓብዪ ህዝቢ ኢኹም፤ እቶም ኢዮርብዓም ኣማልኽትኹም ክኾኑ ብወርቂ ዝሰርሖም ምራኹትውን ምሳኻትኩም ኣለዉ። 9ነቶም ካህናት እግዚኣብሄር ዝኾኑ፥ ደቂ ኣሮንን ሌዋውያንን ኣይሰጐጕኩምዎምንዶ? ኸም ልማድ እቶም ካልኦት ኣህዛብ ባዕልኻትኩምዶ ካህናት ኣይገበርኩምን? ኵሉ ንባዕሉ ኽቕደስ ሓደ ዝራብዕን ሸውዓተ ማጓሉን ሒዙ ዝመፀ ነቶም ኣማልኽቲ ዘይኮኑ ካህን ይኸውን።
10“ንኣና ግና ኣምላኽና እግዚኣብሄር እዩ፤ ንሕናውን ኣይሓደግናዮን። እቶም መገልገልቲ እግዚኣብሄር ኻብ ደቂ ኣሮን ካህናቱን ሌዋውያኑንውን፤ ብስራሖም ምሳና እዮም። 11ንግሆን ምሸትን ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእትን ጥዑም ዝመዓዛኡ ዕጣንን የዕርጉ ኣለዉ፤ ኣብቲ ኸም ስርዓት ፅሩይ ዝኾነ ጠረጴዛ፥ ሕብስቲ ቝርባን የቕርቡ ኣለዉ፤ ምሸት ምሸት ከብርህውን ነቲ ናይ ወርቂ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ መቕረዙ የዳልዉ ኣለዉ። ንሕናውን ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንሕሉ ኣለና፤ ንስኻትኩም ግና ሓዲግኩምዎ ኢኹም። 12እንሆ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና ሓለቓ እዩ፤ እቶም መለኸት ዝነፍሑ ኻህናቱ ኣብ ልዕሌኹም ክነፍሑ ድማ ምሳና እዮም። ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣይትዋግኡ፥ ኣይቐንዐኩምን እዩ።”
13ኢዮርብዓም ግና ብድሕሪት ይሁዳ ሕቡእ ሰራዊት ኣዳልዩ ነበረ። ንሱን እቶም ዝተረፉ ሰራዊቱን ግና ኣብ መረኣእይቲ ይሁዳ ደው ኢሎም ነበሩ። 14ይሁዳ ግልፅ እንተ በሉ፥ እንሆ እቲ ሰራዊት ብድሕሪትን ብቕድሚትን ነበረ። ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ እቶም ካህናትውን መለኸት ነፍሑ። 15ሰብ ይሁዳ ምስ ኣእወዩ፥ እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮርብዓምን ንዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ኣብያን ኣብ ቅድሚ ይሁዳን ሰዓሮም። 16ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ይሁዳ ሃደሙ፤ እግዚኣብሄርውን ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም። 17ኣብያን ህዝቡን ከዓ ዓቢዪ ውቅዒት ወቕዑዎም፤ ካብ እስራኤል ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰባት ተቐቲሎም ወደቑ። 18በዝ ኸምዙይ ህዝቢ እስራኤል ተዋረዱ፤ ህዝቢ ይሁዳ ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝኣመኑ ሰዓሩ።
19ኣብያ ድማ ንኢዮርብዓም ኣሳጐጎ፤ ንኸተማታት ቤቴልን ይሻናንን ዔፍሮንን መምስ ቍሸታተን ወሰደ። 20ኢዮርብዓም፥ በቲ ኣብያ ነጊሱሉ ዝነበረ ጊዜ፥ ስልጣኑ ኸጠናኽር ኣይከኣለን። ኣብ መወዳእታ ድማ እግዚኣብሄር ስለ ዝቐሰፎ ሞተ።
21ኣብያ ግና እናበርትዐ ኸደ። ዓሰርተ ኣርባዕተ ኣንስቲ ኣእተወ፤ ዕስራን ክልተን ኣወዳትን ዓሰርተ ሽዱሽተ ኣጓላትን ድማ ወለደ።
22እቲ ዝተረፈ ናይ ኣብያ ታሪኽ፥ ዝበሎን ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ነቢይ ኣዶ ተፅሒፉ ኣሎ።

Currently Selected:

2ይ ዜና 13: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in