1
ሕዝቅኤል 4:4-5
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
“ደሓር ብፀጋማይ ጐንኻ ደቅስ፤ ኣብኡውን ንሓጢኣት ቤት እስራኤል ኣንብሮ፤ ክንዲ ቝፅሪ እተን ዝደቀስካለን መዓልቲታት ከዓ ሓጢኣቶም ክትፀውር ኢኻ። ኣነ ድማ ንዓመታት ሓጢኣቶም ብቚፅሪ መዓልቲታት፥ ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፥ ገይረልካ ኣለኹ፤ ንስኻውን ሓጢኣት ቤት እስራኤል ክትፀውር ኢኻ።
Compare
Explore ሕዝቅኤል 4:4-5
2
ሕዝቅኤል 4:6
እዙይ ምስ ኣእኸልካ ኸዓ፥ ከም ብሓድሽ ብየማናይ ጐንኻ ኽትድቅስ ኢኻ፤ ነርብዓ መዓልቲ እውን ሓጢኣት ቤት ይሁዳ ኽትፀውር ኢኻ፤ ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ዓመት ገይረልካ ኣለኹ።
Explore ሕዝቅኤል 4:6
3
ሕዝቅኤል 4:9
“ንስኻ ስርናይን ስገምን ዓተርን ዓተር ባሕሪን ብርስንን ዓረስን ውሰድ፤ ኣብ ሓደ ኣቕሓ ግበሮ እሞ፥ እንጀራ ሰንክት፤ ብቚፅሪ እተን ብሓደ ጐንኻ እትድቅሰለን መዓልቲታት፥ ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፥ ክትበልዕ ኢኻ።
Explore ሕዝቅኤል 4:9
Home
Bible
Plans
Videos